ሓበሬታ ንስድራቤት (tigrigna)

ሓበሬታ ንስድራቤት

Tigrigna

መጻኢ ኹሉ ጾታ፡ ኣገደስቲ ነጥብታት ብሕጽር ዝበለ

ኣብ ስዊዘርላንድ ብሓደ ጾታ ብኣዋልድ ወይ ብኣወዳት ጥራይ ዝምረጹ ብዙሓት ሞያታትን ስልጠናታትን ኣለዉ።ነዚ ኣተኩሮ ብምግባር መጻኢ ንኹሉ ጾታ ቀንዲ ዕላምኡ ንሞያዊ ዶባት ናይ ተምሃሮ ንምስፋሕን ኸምኡውን ሞዩኦም ክረኽቡ ምሕጋዝን አዩ።ስለዚ ኣብዛ ብሃገር ደረጃ ዝተመደበት መዓልቲ ብዙሓት ትካላት፣ ወድባት፣ ሞያውያን ቤት-ትምህርታት ከምኡ’ውን ኮለጃት ንኣወዳትን ንኣዋልድን ኣብ ምሉአ ስዊዘርላንድ ዕድላት ይኽፈቱ ኣለዉ።አዚ ደረጃ ኣተኩሮ ካብ ካንቶን ናብ ካንቶን ዪፈላለ አዩ።

  • ካንቶን በርን ፣ ካብ 7H ናብ 9H,
  • ካንቶን ነሻተል ፣ 9e ዓመት,
  • ካንቶን ቫለይ ፣ 8H,
  • ካንቶን ፍሪቦርግ ፣
    7H (መሰረታዊ ፕሮግራም)
    ወይ10H (ፍሉይ ስልጠናታት),
  • ካንቶን ጀነቭ ፣ 9e ዓመት (ተሳትፎ ብግዲ),
  • ካንቶን ቮ ፣ ካብ 7e ናብ 9e ዓመት.

ኣገባብ ናይታ መዓልቲ

ተሳትፎ ምስ ኣንጻር ጾታ ጠማሪ ሓሳብ ናይዛ መዓልቲ መጻኢ ንኹኡ ጾታ አዩ ። ከም ውጽኢቱ ህጻናት ከም ልምዲ ብጾታ ዘይተደረተ ሞያታት፣ስልጠናታት ከምኡውን ናይ ስራሕ ዓውድታትን ይድህስሱ። ኣብዛ መዓልቲ አቶም ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ደረጃ ዘለዎም ተምሃሮ ምስ ሓደ/ንቲ ብቐረባ ዝፈልጥዎ/ዋ ኣንጻር ጾትኦም ዝኾነ/ዝኾነት ሰብ ናብ ቦታ ስርሖም ይኸዱ (አዚ መሰረታዊ መደብ አዩ) ወይ ተሳተፍቲ ኣብ ፍሉይ ፕሮጀክት ይኾኑ (ምዝገባ ኣብ ወብ ይትና) ኣብዚ

1. መሰረታዊ ፕሮግራም፥ ኣዋልድን ኣወዳትን ናብ ናይ ስራሕ ቦታ ይኸዱ

ኣብ ኣቃውማ ናይዚ መሰረታዊ ፕሮግራም ተምሃሮ ንሓደ/ንቲ ዝቀርብዎ/ዋ ሰብ ናብ ናይ ስራሕ ቦትኡ/ኣ ይኸዱ።ኣብዚ ብዙሕ ኣማራጺታት ኣሎ። እዚ ተግባራዊ ንኽከውን ቕድም ንመሳርሕትኩም፣ ንኣማሓዳሪኩም ከምኡውን ንክፍሊ ሰብኣዊ ምንጪ ኪትሓትዎም ንዕድመኩም።

አዚ መሰረታዊ ፕርግራም ብዝተፈላለየ መልክዕ ክቀርብ ይኽእል። ንኣብነት፦

  • ኣዋልድ ነቦታተን፣ ኣወዳት ነደታቶም (ወይ ንካልእ ኣብ ዙርያኦም ዘሎ ሰብ) የሰንዩ።
  • እተን ኣዋልድ ንሓንቲ ብልምዲ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዝሕሰብ ሞያ ትሰርሕ ሰብ የሰንያ። እቶም ኣወዳት ድማ ንሓደ. ብልምዲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝሕሰብ ሞያ ዝሰርሕ ሰብ የሰንዩ።ንኣብነት ሓደ ወዲ ከም መሕረሲ ኮይኑ ዝሰርሕ ጎረቤት እንተ ኣለዎ ናብ ቦታ ስርሑ የሰንዮ ማለት እዩ።ወይ ሓንቲ ጛል ንሓንቲ ናይ ኮምፒተር ምህርቲ ጎረቤታ ተሰኒ።

ናይዚ ዕላማ ንተምሃሮ ናይ ዓውዲ ዶባቶም ምስፋሕን ኣቀዲሞም ሓሲቦምሉ ዘይፈልጡ ሞያ ምድህሳስን አዩ።

2. ፍሉይ ፕሮጀክታት፥ ኣዋልድን ኣወዳትን ኣብ ፍሉይ ፕሮጀክት ብምርጫኦም ይሳተፉ

ብዙሓት ትካላት፣ ውድባት ከምኡ’ውን ቤት-ትምህርታት ሞያን ኮለጃትን፡ ንኣዋልድ ወይ ኣወዳት ዘይልሙድ ዚሕሰብ ሞያዊ ፕሮጀክትታትን ስልጠናታትን የቅርቡ።ንውላድኩም ብቀጥታ ከተመዝግብዎ ምስ ትደልዩ ዝርዝር ናይዚ ስልጠናታት ኣብዚ «Ateliers» ዝብል ገጽ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ተግባራውያን ሓበሬታታት ብዛዕባ ተሳትፎ፥

ሓበሬታ ኣብ ትስርሐሉ ቦታ

ውላድኩም ኣብዛ መዓልቲ መጻኢ ንኹሉ ጾታ ናብ ቦታ ስራሕኩም ክትማልኡዎ\ዋ ትኽእሉ እንተ ኾይንኩም ንሓለፍትኩም ሕተቱ ከምኡ’ውን ብድሕሪኡ መሳርሕትኹም ትሕብሩ። ኣብ ብዙሓት ትካላት እቲ መዓልቲ መጻኢ ንኩሉ ጾታ ድሮ ጭቡጥ ኣካል ናይ ዓመታዊ ፕሮግራም ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ቤት-ትምህርቲ (አዚ ንካንቶን ጀነቭ ኣይምልከትን አዩ)

ጓልኩም ወይ ወድኹም ናብ ስራሕ ከሰንዩኩም/ከተሰንየኩም እንተ መዲባ/ቡ ወይ ኣብ ሓደ ካብቶም ፍሉያት ስልጠና መደብ ክሳትፉ አንተ መዲቡ/ባ፣ ኣብዚ dispense scolaire (ሕድገት ፍቓድ) ዝብሃል ሰነድ በቲ ትርከብዎ ከተማ ናይ ግድን ክመልኡ ኣለዎም፣ ሽዑ አቲ ዝተመልአ ወረቀት ንመምህሩ/ራ ኪወሃብ ኣለዎ። ክፍሊ ቤት-ትምህርቲ ናይ ጓልኩም ወይ ወድኹም ኣብ ሃገራዊ መዓልቲ መጻኢ ንኩሉ ጾታ ዘይሳተፉ እንተ ደኣ ኮይኖም ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብ ውሽጢ ትምህርቲ ዘለው ፕሮጀክታት ንክ(ት)ሳትፍ ኣማራጺ ክ(ት)ወሃብ ይኽእል።

ዘድሊ ምድላዋት ንመዓልቲ መጻኢ ንኹሉ ጾታ

ነዚ መዓልቲ ንኹሉ ጾታ ምድላው የድሊ። ዊላድኩም ምስ ዓበየ እንታይ ሞያ ክገብር ይደሊ።ነዚ ንምድላው ዝሕግዝ ዝርዝር checklist ተዳልይኩም ኣሎ። ኣብ ጀ

ቓለ መጠይቅ

መሳርሕትኹም ካብ ውላድኩም ንዝሕተትዎ መልሲ ንክህቡ ድሉው/ቲ እንተንዝኾኑ/ና ሕተቱዎ/ዋ ኢኹም። ኣብዚ መዓልቲ መጻኢ ኣዋልድን ኣወዳትን ሓደሽቲ ዓውዲ ሞያታት ዚላለይሉ መዓልቲ እዩ።ስለዚ ነዚ ንምትግባር አቲ ወላዲ ንውላዱ ምስ ሓደ ኣብ ዘይልሙድ ሞያ ዝሰርሕ ሰብ ቃለመጠይቅ ንክገብር ክመርጽ ይኽእል። ኣብነት ሕቶታት ኣብዚ modèle d’interview ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

መገምገሚ ሕቶታት

ኣብ መወዳእታ ናይዚ መዓልቲ ንውላድኩም መገምገሚ ሕቶታት questionnaire d’évaluation ናይዚ መዓልቲ መጻኢ ንኹሉ ጾታ ክመልእ ኣለዎ፣ ንዕኡ ድማ ናብ Futur en tous genres ክሰዶ ኣለዎ። ኣብ ጀነቭ፣ ተምሃሮ መመዝገቢ ደብተር ንገምጋም ክጥቀሙ ይኽእሉ።

ተወሳኺ ንጥፈታት ኣብ ናይ ሞያ\ስራሕ ምርጫ

ብተወሳኺ ልዕሊ ተሳትፎ ኣብ መሰረታዊ ፕሮግራምን ፍሉይ ስልጠናታትን ንደቅኹም ብጾታ ጥራይ ዘይተማዘዘ ምርጫ ኪመርጹ ክትሕግዝሉ ትኽእሉ መገድታት ኣሎ። ኣብዚ ገጽ ሓበሬታ ብዛዕባ ጸወታን ዘሎ ሰነዳትን ኪትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ንሓበሬታ

ጉጅለ ናይዛ መዓልቲ መጻኢ ንኹሉ ጾታ (Futur en tous genres) ንኹሉ ሕቶታትኩም ክምልስ ድሉው አዩ።

ኢመይል ፣ info@futurentousgenres.ch
ተሌፎን ፣ 022.388.74.73 ወይ 079.531.31.28

Encore des questions ?

Trouver des réponses

La journée a lieu le deuxième jeudi de novembre. La prochaine édition se déroulera le 14 novembre 2024.

Les ateliers se déroulent dans un cadre non-mixte, afin d'offrir aux enfants, le temps d'une journée, un espace leur permettant d'affirmer leurs intérêts et aspirations professionnelles sans se soucier des attentes ou des jugements liés à leur genre. Pensée comme une mesure correctrice ponctuelle, cette journée implique que les ateliers sont respectivement réservés aux filles et aux garçons. Nous précisons que nous considérons le genre auquel l'enfant s'identifie.

Néanmoins conscient·e·x·s des limites que présente le caractère binaire de cette journée, nous invitons les jeunes trans et non-binaires à participer. Afin de trouver la solution la mieux adaptée à leurs besoins, nous les invitons à contacter le secrétariat de Futur en tous genres.

La journée Futur en tous genres est ouverte aux élèves de différents degrés, en fonction des cantons :

Le formulaire en ligne pour la journée Futur en tous genres sera disponible à partir de début septembre. Les ateliers seront publiées à partir de la fin d’été pour consultation. Il est conseillé de faire attention aux particularités cantonales pour les inscriptions (Berne, Fribourg, Genève, Neuchâtel, Valais et Vaud).

Pour des raisons d’organisation, une inscription à un atelier est strictement définitive. Annuler l’inscription de son enfant doit rester exceptionnel, en cas d’incapacité majeure, car les annulations nécessitent des efforts considérables pour la gestion administrative du projet. La personne se désinscrivant aura empêché d’autres élèves d’y participer. Une désinscription équivaut très souvent à ne pas pouvoir remplir toutes les places disponibles ce qui représente un dommage considérable dans l’organisation de l’atelier en question.